ወለዲ ንደቆም እኹል መረዳእታ ንኽህቡ እትሕግዝ መጽሓፍ
ኣብ 2019 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝቘመ ሕጊ፤ ንኣብ መባእታ ደረጃ ዝርከቡ ተመሃሮ፤ ትምህርቲ ምሕዝነት/ዕርክነት (Relationships Education)፤ ንኣብ ካልኣይ ደረጃ ዘለዉ ተመሃሮ ድማ፤ ትምህርቲ ጾታዊ ርክብ (Sex Education) ክመሃሩ ግድነታዊ ገይርዎ። ኣብዚ ደው ከይበለ ኸኣ፤ ካብ መስከረም 2023 ጀሚሩ፤ ተመሃሮ ቀዳማይ ክፍሊ ብዛዕባ ግብረ-ሰዶምን ቅቡል ምዃኑን ክመሃሩጀሚሮም ኣለዉ።
እዛ መጽሓፍ ድማ ወለዲ ገለ መንፈሳዊ መረዳእታ ረኺቦም፤ ኣብዚ ጉዳይ ግቡእ ኣረኣእያ ንኽህልዎም እሞ፤ ንደቆም እኹል መረዳእታ ንኽህቡ ክትሕግዝ ብዝብል ሓሳብ ተዳልያ ኣላ።