Brana Books - ብራና
New Arrival
መጽሓፍ ቅዱስ ንህጻናት - ናይ ብሉይ ኪዳን ታሪኻት (Tigrinya & English) - 2025
ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን “ንቆልዓ እታ ክኸደላ ዝግብኦ መንገዲ ኣላምዶ እሞ ምሉእ ሕይወቱ ካብኣ ኣይከልግስን እዩ።” (ምሳሌ 22፥6) ኢሉ ከምዝጸሓፈልና፤ እዛ መጽሓፍ ህጻናት ደቅና ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ኣዝዩ ብዙሕ ዝኾነ ታሪኻት መላለዪ ክትኮኖም’ሞ፤ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቡቕ ዝኾነ ዝምድና ኣብ ምምስራት ሓጋዚት ክትከውን ትምኒተይ ኢዩ።
King Solomon wisely wrote, “Train up a child in the way he should go; even when he is old he will not depart from it” (Proverbs 22:6). May this children’s book introduce our young ones to the many stories of the Bible and help foster a close and meaningful relationship with it.
ግብረ-ሰዶም (ብመንጽር መጽሓፍ-ቅዱስን ባህልን) - 2023
ኣብ 2019 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝቘመ ሕጊ፤ ንኣብ መባእታ ደረጃ ዝርከቡ ተመሃሮ፤ ትምህርቲ ምሕዝነት/ዕርክነት (Relationships Education)፤ ንኣብ ካልኣይ ደረጃ ዘለዉ ተመሃሮ ድማ፤ ትምህርቲ ጾታዊ ርክብ (Sex Education) ክመሃሩ ግድነታዊ ገይርዎ። ኣብዚ ደው ከይበለ ኸኣ፤ ካብ መስከረም 2023 ጀሚሩ፤ ተመሃሮ ቀዳማይ ክፍሊ ብዛዕባ ግብረ-ሰዶምን ቅቡል ምዃኑን ክመሃሩ ጀሚሮም ኣለዉ።
እዛ መጽሓፍ ድማ ወለዲ ገለ መንፈሳዊ መረዳእታ ረኺቦም፤ ኣብዚ ጉዳይ ግቡእ ኣረኣእያ ንኽህልዎም እሞ፤ ንደቆም እኹል መረዳእታ ንኽህቡ ክትሕግዝ ብዝብል ሓሳብ ተዳልያ ኣላ።




About Brana
BRANA was founded with one goal in mind: To introduce biblical stories to our children in a language and format they can easily understand.
ቀንዲ ዕላማ ናይ ብራና፤ ህጻናት ደቅና ብቐሊሉን ኣዘናጋዕቲ ብዝኾኑ ስእልታት ብዝተሰነዩ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ፤ ብቋንቍኦም ንምፍላጥ ኢዩ።


