top of page
  • TikTok
  • Instagram
  • Facebook

Brana Books - ብራና

New Arrival

መጽሓፍ ቅዱስ ንህጻናት - ናይ ብሉይ ኪዳን ታሪኻት (Tigrinya & English) - 2025

ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን “ንቆልዓ እታ ክኸደላ ዝግብኦ መንገዲ ኣላምዶ እሞ ምሉእ ሕይወቱ ካብኣ ኣይከልግስን እዩ።” (ምሳሌ 22፥6) ኢሉ ከምዝጸሓፈልና፤ እዛ መጽሓፍ ህጻናት ደቅና ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ኣዝዩ ብዙሕ ዝኾነ ታሪኻት መላለዪ ክትኮኖም’ሞ፤ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቡቕ ዝኾነ ዝምድና ኣብ ምምስራት ሓጋዚት ክትከውን ትምኒተይ ኢዩ።

King Solomon wisely wrote, “Train up a child in the way he should go; even when he is old he will not depart from it” (Proverbs 22:6). May this children’s book introduce our young ones to the many stories of the Bible and help foster a close and meaningful relationship with it.

Main.png

ግብረ-ሰዶም (ብመንጽር መጽሓፍ-ቅዱስን ባህልን) - 2023 

ኣብ 2019 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝቘመ ሕጊ፤ ንኣብ መባእታ ደረጃ ዝርከቡ ተመሃሮ፤ ትምህርቲ ምሕዝነት/ዕርክነት (Relationships Education)፤ ንኣብ ካልኣይ ደረጃ ዘለዉ ተመሃሮ ድማ፤ ትምህርቲ ጾታዊ ርክብ (Sex Education) ክመሃሩ ግድነታዊ ገይርዎ። ኣብዚ ደው ከይበለ ኸኣ፤ ካብ መስከረም 2023 ጀሚሩ፤ ተመሃሮ ቀዳማይ ክፍሊ ብዛዕባ ግብረ-ሰዶምን ቅቡል ምዃኑን ክመሃሩ ጀሚሮም ኣለዉ።

እዛ መጽሓፍ ድማ ወለዲ ገለ መንፈሳዊ መረዳእታ ረኺቦም፤ ኣብዚ ጉዳይ ግቡእ ኣረኣእያ ንኽህልዎም እሞ፤ ንደቆም እኹል መረዳእታ ንኽህቡ ክትሕግዝ ብዝብል ሓሳብ ተዳልያ ኣላ።

Coming Back Soon

መጽሓፍ ቅዱስ ንህጻናት - ናይ ሓዲስ ኪዳን ታሪኻት (Tigrinya & English) - 2024

ዛንታታት ሓዲስ ኪዳን፤ ብማረኽቲ ስእልታትን ጽሑፋትን ተሰንዩ ህያው ኰይኑ ኣሎ። 

ደቅና ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ክረኽብዋ ከለዉ ብዛዕባ ህጻን ኢየሱስ፣ ኢየሱስን ህጻናትን ካልኦትን ዝገልጹ ዛንታታት ክመሃሩን ከስተማቕሩን ኢዮም። 

ናይ ነፍሲ-ወከፍ ዛንታ ትርጉም ብኢንግሊሽ ስለዘሎ ድማ ነቶም ዛንታታት ብዝሓሸን ብዝቐለለን መንገዲ ክርድእዎም ክኽእሉ ኢዮም።

ብራና ቁ. 1 - 2024

ህጻናት ደቅና ፊደላትን ኣሃዛትን ቋንቋ ትግርኛ ብቐሊሉ ክመሃሩላ ዝኽእሉ፤ ምስ ንኣጸሓሕፋ ፊደላት ዝሕግዙ መምርሕታት ተሰንያ ዝተዳለወት መጽሓፍ።

cover_Page.png
Brana_Logo_III_.png

About Brana

BRANA was founded with one goal in mind: To introduce biblical stories to our children in a language and format they can easily understand.

ቀንዲ ዕላማ ናይ ብራና፤ ህጻናት ደቅና ብቐሊሉን ኣዘናጋዕቲ ብዝኾኑ ስእልታት ብዝተሰነዩ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ፤ ብቋንቍኦም ንምፍላጥ ኢዩ።

brana_1.jpg
brana_2.jpg
bottom of page